Categories
Events

3 November Day of Remembrance

3 ኅዳር 2013 “መዓልቲ ሓዘን” ብደረጃ ኣፍሪቃ ኪውዕል
ቤት ጽሕፈት ኣፍሪቅዊ ሓድነት ወሲኑ

366 ዝኾኑ “ደቂ ኣፍሪቃ”፥ 98% ኤርትራውያን ምዃኖም ዝተረጋገጸ ኢዩ፥ ብ3 ጥቅምቲ 2013 ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ከምዝሞቱ ምሉእ ዓለም ምስ ሓዘነን ምስ በኸየን፥ ኣበይ ዚጸንሑ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝመደበሮም ሰበ ሥልጣን ሓድነት ኣፍሪቃ፥ ድሕሪ ኵሎም፥ ካብ ከቢድ ድቃስ ከም ዝተበራበሩ፥ ሓደ መግለጺ ኣውጺኦም። እዚ ናይ 366 መንእሰያትን ሕጻናትን ሕይወት ህልቀት፥ ካብ ዝተመዝገበ ታሪኽ ኣፍሪቃ እቲ ዝገደደ ጉድኣት ምዃኑ ተኣሚኖምሉ። ኣፍሪቃ ኪሃንጹዋ ዚግብኦም መንእሰያት ከምዚ ገይራ እንተጥፊኣቶም፥ ከመይ ገይራ ኢያ ማዕረ ካልኦት ሃገራት ዓለም ክትምዕብል ትኽእል? ዚብል ሕቶ ኣቕሪቦም። ስለዚስ ንመንእሰያታ ንክትሓቍፍን ምሉእ ናይ ዜግነት ሓላፍነት ክተልብሶም እንተዀይና፥ መንእሰያት ዚሓትዎ መሰረታዊ ነጥብታት፥ መራሕቲ ዓዲ ኪፈልጡሎም፥ ዓቕሞም ዘፍቀዶን በብቕሩብን ሓድሓደ ለውጥታት ኬርእዩዎም ከምዚግብኦም ኪእመኑሎም ኣለዎም። በዚ ዘሎናዮ ጊዜ፥ ለይቲ ኣብ ጸልማት ኪሓድር እንተዀይኑ፥ ቀለብ ብመቝነን ኪዕደል እንተዀይኑ፥ ሓዳር ኪገብርን ደቁን ሰበይቱን ኬዕንግል ዘይፍቀደሉ ኣንተዀይኑ፥ ዓመት ድሕሪ ዓመት ኣብ በረኻ ኪውዕልን ኪሓድርን ኣንተዀይኑ፥ ጸገሙ ዚጭርሸሉ ኵነታት ዚረአዮ ዕድል ኣንተዘየሎ፥ ሕማቕን ሕሙምን እንተዘይኰይኑ፥ መን ኢዩ ዓዱ ኪርጥርጥ ዘይሓስብ?  ብዝኾነ፥ ዕለት 3 ኅዳር 2013 ንዝኽሪ እዞም ግዳያት ላምፐዱዛ ዕሸል “ደቂ ኣፍሪቃ”፥ “መዓልቲ ሓዘን” ኣብ ምሉ ኣፍሪቃ ኪውዕል ጻዊዒት ገይሮም።

እንተኾነ፥ ሎሚ ዲዩ ኣፍሪቃዊ መንእሰይ ካብ ዓዱ ሃዲሙ፥ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ይኹን፥ ኣብ ባሕሪ ኣደን፥ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ፥ ኣብ ኣትላንቲክ ኦሺያን ዚጥሕሉ ዘሎ? ካብ ዕስራ ዓመት ንላዕሊዶ የብሉን ምድረበዳ ሳሃራ መቓብር ኣሻሓት መንእሰያት ካብ ዚኸውን? ኣብ ቤተ ጽሕፈቶምሲ “ኣፍሪቃውያን” ኣብ ሲናይ ግዳይ ተዋገይቲ ይኾኑ ከምዘለዉ ወረ ኣይተሰምዐን ዲዩ? ነቶም ኣብ እስራኤል ዑቕባ ኪሓቱ ኣትዮም፥ ሶሊኾም ዝኣተዉ ጸላእቲ፥ “መንሽሮ” “ካብ ዚዋግኡና ዓሌታት ዝገደዱ ጠንቂ” ተባሂሎም ተኣሲሮም ዘለዉ ኣሻሓት መንእሰያት  ይጣበቑሎምዶ ኣለዉ ኢዮም? ጉዳይ ድቃስ ስኢኑን ድቃስ ዚኸልእን ዘሎ “ኣፍሪቃዊ” መንእሰይ ኣብ ኅቡራት መንግኅታት ኣብጺሖምዎ ዲዮም? ኣብ ኣኼባታቶም ተማጒቶሙሉ ይፈልጡዶ? ኣፍሪቃዊ መፍትሒ ኣናድዮምሉዶ? ብዛዕባ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣልዒሎም ንዚኵነን ኰኒኖም፥ ብሕጋዊ መንግዲ ኪፍታሕ ዝገበሩዎ ተግባራዊ ስጉምትታ እንታይ ኣሎ? ከምኡ ብዛዕባ ካልእ ኣብ ኣፍሪቃ ዝተረኽቡን ዘለዉን ግድላት እንታይ ገይሮም ይፈልጡ?

 

ብዝኾነ፥ እስከ ብሰንኪ እዚ ናይ ሎሚ መማዝንቲ ዘይብሉ ድንገት፥ ዝወስድዎ ዘለዉ ስጉምቲ፥ ዓይኒ መንቈሒ እንተኾኖም… እስከ በዚ ናይ ሎሚ መሰክሒ ጉድኣት፥ ኣፍሪቃውያን ሃገራት ነቶም ዑቕባ ደልዮም ዚኣትዩዎም ዘለዉ መንእሰያት፥ ናይ ድንጋጼን ናይ ርትዕን ስጕምቲ ኪወስዱሎም እንተኣበራቢሩዎም … መሰል ናይ ምንባር፥ ናይ ሥራሕ፥ ናይ ትምህርትን ምዕባሌን ኪረኽቡ እንተፈለጡሎም . . .። ዜጋ ካልእ ሃገር እትቕበል ዓዲ፥ ትኸስብ እምበር ኣይትኸስርን። ወዲ ወጻኢ ዕድሉ ካብ ጻዕሩ ምዃን ስለዚፈልጥ፥ ሃርኰትኰት ይብል። ካብ ሃገሩ ዜምጽኦ ሓዲስ ንጥፈት እውን ኣይሰኣኖን ኢዩ። ስለዚ፥ ሥራሕ ይፈጥር፥ ሥራሕ የስልጥ፥ ራእዩ የስፍሕ፥ ናይ ተኽእሎ መስኰት ድማ ይኸፍት። ኤርትራውያን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዜርእዩዎ ንጥፈት ምምልካት ይኣክል። መንግሥታዊ ተቐባልነት ስለዘይረኸቡ ግን ልቦም ኣይዓርፍንን ንወጻኢ እናጠመቱ ጊዜኦም ዘሕለፉ ዉሑዳት ኣይነበሩን። “Every cloud has a silver lining” ከምዚበሃል፥ እስከ እዚ ህልቀት እዚ ንሕዝቢ ኣፍሪቃ ናይ ምንቃሕ ደወል እንተኾነና . . . መንእሰይ ኣፍሪቃ ናብ ኤውሮጳን ኣመሪካን ገጹ ጥራይ ካብ ምጥማት፥ ናብ ጐረበት ሃገር ብሰላም፥ ብዘይመንግሥታውን ማኅበራውን ስግኣት ኪነብረሉን ኪምዕብለሉን ዜፍቅድ ሃዋህው ኪፍጠር ንምነ። ከምቲ ብፁዕን ቅዱስን ር.ሊቃነ ጳጳሳት ኣቡነ ፍራንሲስ ዚበልዎ፥ “እዚ ኅልቀት እዚ ድሕሪ ሎሚ ከይድገም”፥ ኺኸውን እንተደኣ ኰይኑ፥ ከምቲ ኣብ ንዩ ዮርክ ታይምስ እውን ዝተኣመነሉ፥ ነፍስወከፍ ሰብ ብግልን ብማኅበርን ብሃገርን ደረጃ ሓልፍነት ኪለብሰሉን፥ ኪገብሮ ዚግብኦ ድማ ብሓላፍነት ኪሕተትን ይግባእ። ከሳሲት ኢድ ናብ ካልኦት ምውጥዋጥ ለውጢ ኣየምጽእን ኢዩ።  ንግዳያት “ኦጐይታይ ዘለዓለማዊ ዕረፍቲ ሃቦም፥ ዘለዓለማዊ ብርሃን ኣብርሃሎም፥ ብሰላም ይዕረፉ። ኣሜን”  ንሥድራ ቤቶምን ንሕዝቢ ኤርትራ ድማ “እግዚኣብሔር ብሓቂ ጽንዓት ይሃበና”። “መለበሚ ኣይግበርካ፥ መለበሚ ኣይኽላእካ” ይበሃል። ንሕና ሎሚ መለበሚ ኰይና ኣሎና፥ “Boat People” ንጽዋዕ ኣሎና። ካልእ ይትረፍ ንኻልኦት መለበሚ ካብ ኾና፥ ንርእስና ከይለበምና ከይንተርፍ ንበራበር።

Leave a Reply