3 ኅዳር 2013 “መዓልቲ ሓዘን” ብደረጃ ኣፍሪቃ ኪውዕል
ቤት ጽሕፈት ኣፍሪቅዊ ሓድነት ወሲኑ
366 ዝኾኑ “ደቂ ኣፍሪቃ”፥ 98% ኤርትራውያን ምዃኖም ዝተረጋገጸ ኢዩ፥ ብ3 ጥቅምቲ 2013 ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ከምዝሞቱ ምሉእ ዓለም ምስ ሓዘነን ምስ በኸየን፥ ኣበይ ዚጸንሑ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝመደበሮም ሰበ ሥልጣን ሓድነት ኣፍሪቃ፥ ድሕሪ ኵሎም፥ ካብ ከቢድ ድቃስ ከም ዝተበራበሩ፥ ሓደ መግለጺ ኣውጺኦም። እዚ ናይ 366 መንእሰያትን ሕጻናትን ሕይወት ህልቀት፥ ካብ ዝተመዝገበ ታሪኽ ኣፍሪቃ እቲ ዝገደደ ጉድኣት ምዃኑ ተኣሚኖምሉ። ኣፍሪቃ ኪሃንጹዋ ዚግብኦም መንእሰያት ከምዚ ገይራ እንተጥፊኣቶም፥ ከመይ ገይራ ኢያ ማዕረ ካልኦት ሃገራት ዓለም ክትምዕብል ትኽእል? ዚብል ሕቶ ኣቕሪቦም። ስለዚስ ንመንእሰያታ ንክትሓቍፍን ምሉእ ናይ ዜግነት ሓላፍነት ክተልብሶም እንተዀይና፥ መንእሰያት ዚሓትዎ መሰረታዊ ነጥብታት፥ መራሕቲ ዓዲ ኪፈልጡሎም፥ ዓቕሞም ዘፍቀዶን በብቕሩብን ሓድሓደ ለውጥታት ኬርእዩዎም ከምዚግብኦም ኪእመኑሎም ኣለዎም። በዚ ዘሎናዮ ጊዜ፥ ለይቲ ኣብ ጸልማት ኪሓድር እንተዀይኑ፥ ቀለብ ብመቝነን ኪዕደል እንተዀይኑ፥ ሓዳር ኪገብርን ደቁን ሰበይቱን ኬዕንግል ዘይፍቀደሉ ኣንተዀይኑ፥ ዓመት ድሕሪ ዓመት ኣብ በረኻ ኪውዕልን ኪሓድርን ኣንተዀይኑ፥ ጸገሙ ዚጭርሸሉ ኵነታት ዚረአዮ ዕድል ኣንተዘየሎ፥ ሕማቕን ሕሙምን እንተዘይኰይኑ፥ መን ኢዩ ዓዱ ኪርጥርጥ ዘይሓስብ? ብዝኾነ፥ ዕለት 3 ኅዳር 2013 ንዝኽሪ እዞም ግዳያት ላምፐዱዛ ዕሸል “ደቂ ኣፍሪቃ”፥ “መዓልቲ ሓዘን” ኣብ ምሉ ኣፍሪቃ ኪውዕል ጻዊዒት ገይሮም።
እንተኾነ፥ ሎሚ ዲዩ ኣፍሪቃዊ መንእሰይ ካብ ዓዱ ሃዲሙ፥ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ይኹን፥ ኣብ ባሕሪ ኣደን፥ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ፥ ኣብ ኣትላንቲክ ኦሺያን ዚጥሕሉ ዘሎ? ካብ ዕስራ ዓመት ንላዕሊዶ የብሉን ምድረበዳ ሳሃራ መቓብር ኣሻሓት መንእሰያት ካብ ዚኸውን? ኣብ ቤተ ጽሕፈቶምሲ “ኣፍሪቃውያን” ኣብ ሲናይ ግዳይ ተዋገይቲ ይኾኑ ከምዘለዉ ወረ ኣይተሰምዐን ዲዩ? ነቶም ኣብ እስራኤል ዑቕባ ኪሓቱ ኣትዮም፥ ሶሊኾም ዝኣተዉ ጸላእቲ፥ “መንሽሮ” “ካብ ዚዋግኡና ዓሌታት ዝገደዱ ጠንቂ” ተባሂሎም ተኣሲሮም ዘለዉ ኣሻሓት መንእሰያት ይጣበቑሎምዶ ኣለዉ ኢዮም? ጉዳይ ድቃስ ስኢኑን ድቃስ ዚኸልእን ዘሎ “ኣፍሪቃዊ” መንእሰይ ኣብ ኅቡራት መንግኅታት ኣብጺሖምዎ ዲዮም? ኣብ ኣኼባታቶም ተማጒቶሙሉ ይፈልጡዶ? ኣፍሪቃዊ መፍትሒ ኣናድዮምሉዶ? ብዛዕባ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣልዒሎም ንዚኵነን ኰኒኖም፥ ብሕጋዊ መንግዲ ኪፍታሕ ዝገበሩዎ ተግባራዊ ስጉምትታ እንታይ ኣሎ? ከምኡ ብዛዕባ ካልእ ኣብ ኣፍሪቃ ዝተረኽቡን ዘለዉን ግድላት እንታይ ገይሮም ይፈልጡ?